19/10/2026
መራሒት ሰልፊ Centerpartiet (Elisabeth Thand Ringqvist) መንግስቲ ንምምስራት ሓላፍነት ተዋሂብዋ!
ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን (Andreas Norlén) ፡ ንመራሒት ሰልፊ ሰንተር (Centerpartiet) ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ሓላፍነት ከም ዝሃባ፡ ሎሚ ሰኑይ 19 ጥቅምቲ 2026 ኣብ ዝገበሮ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራተርና ማግዳሌና ኣንደርሾን (Magdalena፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ብዝተኻየደ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ኣወሃህባ ኣድላዪ ደገፍ ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ተሳዒራ። እዚ ድምጺ ኣወሃህባ፡ ቅድሚ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ካብ ዝዛዘም ንደሓር፡ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ እንኮ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ድምጺ ኣወሃህባ እዩ።
ማግዳሌና ኣንደርሶን ድሕሪ እቲ ድምጺ ኣወሃህባ፡ «እዚ ውጽኢት ሙሉእ ብሙሉእ ትጽቢት ዝተገብረሉ እዩ» ክትብል ገሊጻ ምንባራ ዝፍለጥ እዩ።በዚ ምኽንያት፡ ናይ ሓድሽ መንግስቲ ምምስራት መስርሕ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ተሰጋጊሩ።
ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሩ፡ እቲ መስርሕ ኣብ ኢድ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ወዲቕ ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንሱ ድሕሪ እቲ ድምጺ ኣወሃህባ፡ ምስ ኩሎም መራሕቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብተሌፎን ክዘራረብ ከም ዝቐነየ ዝፍለጥ እዩ ።
ሎሚ ሰኑይ 19 ጥቅምቲ 2026 ድማ፡ ንመራሒት Centerpartiet ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ፡መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽትጽንዕን ምስ ካልኦት ሰልፍታት ንኽትዘራረብን ሓላፍነት ሂብዋ።
ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ማለት ብ26 ጥቅምቲ 2026፡ ውጽኢት ናይቲ ዘካየደቶ ምይይጥን ጻዕርን ንኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ከተቕርብ እያ። ብኻልእ ወገን፡ ማግዳሌና ኣንደርሶን፡ መራሒ ሰልፊ Moderaterna ኡልፍ ክሪስተርሾን (Ulf Kristersson) ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽምርምር ሓላፍነት ክወሃቦ ከም ዘለዎ ርእይቶኣ ገሊጻ ኔራ እያ።
ኡልፍ ክሪስተርሶን ብወገኑ፡ ኣብ ባይቶ ዘድሊ ፖለቲካዊ ደገፍ እንተተረኺቡ፡ ዘይሶሻሊስታዊ ብዙሓት ድምጺ ዝድግፍዎ መንግስቲ ንምምስራት ድሉው ምዃኑ ገሊጹ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዝበለ ብዙሓት ድምጺ ዘለዎ ፖለቲካዊ ደገፍ ከም ዘየለ ንሱ ባዕሉ ኣረጋጊጹ።
ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ተመሪጻ ማለት ግን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን እዚ ዝተዋህባ ሓላፍነት፡ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ደገፍ ኣብ ባይቶ ክርከብ ይኽእል ድዩ ንምጽናዕ ጥራይ ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ድሕሪ እዚ ናይ ሎሚዓንቲ ዉሳነ ኣፈጉባኤ ሽወደን መራሕቲ ሰልፍታት ሽወደን እንታይ በሉ?
1. መራሒት ሰልፊ KD ኤባ ቡሽ፡ «ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ጥበብ ዝተሓወሶ ውሳነ ወሲኑ»
መራሒት ሰልፊ ክርስትያን ዲሞክራተርና (Kristdemokraterna – KD) ኤባ ቡሽ (Ebba Busch)፡ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሽወደን ኣንድርያስ ኖርለን (Andreas Norlén)፡ ንመራሒት Centerpartiet ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት (Elisabeth Thand Ringqvist) መንግስቲ ንምምስራት ዘኽእል ፖለቲካዊ ደገፍ ንኽትምርምር ሓላፍነት ምሃቡ፡ ጥበብ ዝተሓወሶ ዉሳነ ምዃኑ ገሊጻ።
ኤባ ቡሽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ ከምዚ ኢላ፦
«ሽወደን ክሳብ ሕጂ ሓድሽ መንግስቲ ከይመስረተት ናብ ሻድሻይ ሰሙን ኣቲና ኣለና። ስለዚ፡ መስርሕ ምምስራት መንግስቲ ናብ ቅድሚት ክስጉም ኣገዳሲ እዩ።
ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ፡ ንኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ቀዳማይ ዕድል ሂቡ፡ ማእከላይ ኣንፈት ዘለዎ መንግስቲ ወይ ካልእ ጥምረት ሰልፍታት ዝሓቖፈ መንግስቲ ክምስረት ይኽእል ድዩ ንኽትምርምር ሓላፍነት ምሃቡ፡ ጥበባዊ ውሳነ እዩ ኢለ እኣምን።»
2. ኡልፍ ክሪስተርሾን (M)፡ «ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ርትዓዊ እዩ»
መራሒ ሰልፊ Moderaterna ኡልፍ ክሪስተርሾን (Ulf Kristersson) ብወገኑ፡ ብዛዕባ ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ርእይቶኡ ሂቡ። ንሱ ብተወሳኺ ከምዚ ኢሉ፦ «ውሳነ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ርትዓውን ምኽንያታውን እዩ። ማግዳሌና ኣንደርሶን (Magdalena Andersson) መንግስቲ ክትምስርት ኣለዋ ዝበሉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት፡ ክሳብ ሕጂ 176 መናብር ኣብ ባይቶ ኣለዎም። እዚ ድማ ኣብ ባይቶ ብዙሓት ድምጺ ከም ዘለዎም የመልክት።
ስለዚ፡ እዞም ሰልፍታት ናይ ጸጋም ፖለቲካዊ ወገን መንግስቲ ንምምስራት ዘለዉ ኩሎም ኣማራጺታት ክሳብ መወዳእታ ክፍትኑ ዕድል ምሃብ ርትዓዊ እዩ።» ኢሉ።
3. ሲሞና ሞሃምሾን (L)፡ «ጽቡቕ ውሳነ እዩ»
መራሒት ሰልፊ ሊበራለርና (Liberalerna – L) ሲሞና ሞሃምሾን (Simona Mohamsson) ፡ ንኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽትምርምር ሓላፍነት ምውሃቡ ጽቡቕ ምዃኑ ገሊጻ። ንሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ X ከምዚ ኢላ፦
«ሕጂ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ናይ መንግስቲ ምምስራት ዕድላት ንኽትምርምር ሓላፍነት ተዋሂብዋ ኣሎ። እዚ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ፡ ኩሎም ዘይሶሻሊስታዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ዙርያ ኡልፍ ክሪስተርሶን ክጥርነፉን መንግስቲ ንምምስራት ደገፍ ክህቡን ይኽእሉ ድዮም ዝብል ንምፍላጥ ዕድል ይህበና።
ዕላማ ናይዚ መስርሕ፡ ብሰልፊ Socialdemokraterna ዝምራሕ መንግስቲ ንምምስራት ደገፍ ምርካብ እንተኾይኑ ግን፡ ሰልፊ Liberalerna ኣብ ተቓውሞ (Opposition) ኮይኑ ንሽወደን ሓላፍነት ብኸመይ ከም ዝወስድ ከብርህ እየ።» ኢላ።
ብሓጺሩ!
ብዛዕባ ሓድሽ መንግስቲ ሽወደን ምምስራት፡ መራሕቲ KD፣ Mን Lን ነቲ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ዝወሰኖ ውሳነ ኣወንታዊ ምዃኑ ገሊጾም። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣየኖት ሰልፍታት ብሓባር መንግስቲ ክምስርቱ ከም ዘለዎም፡ ዝተፈላለየ መርገጺ እዩ ዘለዎም። እቲ ቀጻሊ ኣገዳሲ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2026 እዩ። ኣብዚ ዕለት እዚ፡ ኤሊሳቤት ታንድ ሪንግክቪስት ውጽኢት ምይይጣ ንኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ከተቕርብ እያ።
ተኽለወይኒ ኣስመላሽ
19 ጥቅምቲ 2026