Dagm tube

Dagm tube GOD IS ALWAYS WITH ME !! ❤

ብ    5ይ ዙር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዩ/! ካቶሊካዊተ ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ኣብ  ወፈራ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ኣመልኪቱ ንሰብ ሞያ ጥዕና ከተማ ዓ...
26/03/2026



5ይ ዙር ክታበት መከላኸሊ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዩ/!

ካቶሊካዊተ ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ኣብ ወፈራ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ/ፖልዮ/ ኣመልኪቱ ንሰብ ሞያ ጥዕና ከተማ ዓዲግራት ናይ ቅድመ ምድላው ግንዛበ መዕበዪ ስልጠና ሂባ።

ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መኽፈቲ መደረ ዘስመዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ኣባ ኣብርሃ ሓጎስ ከም ዝበልዎ ኣብ ጎኒ መነግስቲ ኮይኖም ኣብ ክልል ዓፋርን ካብ ፀላኢ ነፃ ዝኾና ከባቢታት ትግራይን እዋናዊ ፀገማት ህዝቢ ንምፍታሕ እናሰርሑ ከም ዝርከቡ ብምግላፅ እቲ ወፍሪ ክታበት ዕውት ንክኸውን ሰብ ሞያ ጥዕና ፣ቀበሌ ኣማሓደርትን መራሕቲ ሃይማኖትን ማሕበረሰብ እታ ከተማ ደቁ ንከኽትብ ናይ ምንቃሕ ሰራሕቲ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣረዲኦም።

ኣብ ከቶሊከዊት ካቶሊካዊተ ቤተክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት መተሓባበሪ ፕሮጀክት ሄልዝ ሰኩሪቲ /ኣለሻ ሕማማት/ ኣይተ ጠዓመ ገ/ቆርቆስ ኣብቲ ፍሪ ክታበት ንዝሳተፉ 84 ሰብ ሞያ ጥዕና ናይ ግንዛበ መዕበዪ ስልጠና ሂቦም።

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ጥዕና ከተማ ዓዲግራት ሲስተር መሬም ኣደም ብወገነን ካብ 18 መጋቢት 2018 ዓም ጀሚሩ ንተኸታታሊ 4 መዓልቲ ገዛ ንገዛ ብኣፍ ኣብ ዝዋሃብ 5ይ ዙር ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ትሕቲ 5 ዓመት ዕድመ ንዝኾኑ ልዕሊ 17 ሽሕ ህፃናት ንምኽታብ ከም ቤት ፅሕፈት እኹል ምድላው ከም ዝተወገነ ገሊፀን።

ጎና ጎኒ እቲ ወፍሪ ክታበት ፀረ ሕማም ኣልምሲ ቄባዕ እግርን ምስንጣቕ ከንፈረን ዘለዎም ህፃናትን ሙልቆ ማህፀን ዘጋጠመን ኣዴታትን ፅንዓት ከም ዝሳለጥ እተን ሓላፊት ወሲኸን ኣገንዚበን።

15 መጋቢት 2018 ዓ/ም
Adigrat communication office

Address

Adigrat

Opening Hours

Monday 09:00 - 17:00
Tuesday 09:00 - 17:00
Wednesday 09:00 - 17:00
Thursday 09:00 - 17:00
Friday 09:00 - 17:00

Telephone

+251930073739

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Dagm tube posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Business

Send a message to Dagm tube:

Shortcuts

Share

Category