09/12/2026
ሰላም ተካታተልትና።
ከምቲ አቀዲምና አኣነእፊትናልኩም ዝነበርና: እዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ፍሉይ ህዝባዊ ፓሊሲ አቀዲሞም ዘይተጠቀስ አባላት ስድራ ስደተኛታት ናብ ካናዳ ምምጻእ አብቂዑ አሎ።
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ስደተኛታትን ዜግነተን ካናዳ ነቲ ፕሮግራም ከየሐደሶ ከም ዘብቅዕ ጌሩ አሎ።
በዚ መሰረት ከም ኮሉ ንፍቃድ ናይ ቀዋሚ ተቀማጢ ካናዳ ዝሐትት ሰብ: አብ ግዜ ፋይል ምእታው ወይ ቅድሚ ሕቶካ ውሳነ ምርካቡ ዘይተገልጸ/ዘይአተወ አባል ስድራቤት ጸኒሕካ ከተአእትዎ አይፍቀድን ኢዩ።
ንካልእ ዕድላትን ተወሳኪ ሐበሬታን ምስ እትደልዩ በዚ አብ ታሕቲ ዘሎ ሐበሬታ ተወከሱና።
ርሑስ አውደአመት!
ዓወት ሃይለ አጎልግሎት ኢሚግሬሽን ካናዳ
መተሐሳሰቢ
ብመሰረት ሕጊ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ካናዳ: ኩሉ ናብ ካናዳ ክበጽሕ ይኩን ብቀዋሚ ክቅመጥ ቅጥዒ ዝመልእ: ሐቀኛ ሐበሬታ ክህብን: ኩሎም አባላት ስድርኡ ከመዝግብን ይግደድ። ቅጥዒ አብ ትመልአሉ: ካብ አባላት ስድራቤት ከይተጻሕፋ ምስ ዝተርፋ: አብ ካናዳ ቀዋሚ ተቀማጢ ወይ ዜጋ ምስ ኮንካ ከም አባላት ስድራካከተምጽኦም (sponsor ክትገብሮም) አይፍቀደካን ኢዩ።
እዚ ሕጊ ከምኡ ኢሉ ከሎ: ካብ መስከረም 2019 ጀሚሩ: ኢሚግረሽን ካናዳ ብዘውጽኦ ግዚያዊ አዋጅ: ብፍሉይ ብናይ ስደተኛ መስርሕ ምጥያስን ምሕታት ዑቅባን ቀዋሚ መንበሪ ወይ ዜግነት ንዝረከቡ ምሕረት ብምግባር አባላት ስድርኦም ከምጽኡ ፈቂዱ ጸኒሑ አሎ። እዚ አዋጅ ክሳብ ሕጂ እንዳ ተናውሐ ጸኒሑ አሎ።
አብ ዝመጽእ መስከረም ግዚኡ ከብቅዕ ኢዩ። ክናዋሕ ድዩ አይናዋሕን ዝተፈልጠ የለን። አብዚ ቀረባ እዋናት ዝተአታቶ ዘሎ ሐደሽቲ ሕግታትን : አብ ስደተኛታት ዝያዳ ዘተኮረ ምቅይያራትን አብ ግምት ብምእታዉ: ናይ ምንዋሕ ዕድሉ ጸቢብ ኢዩ።
ስለዚ ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ ንብል አለና።
ሀ) አባላት ስድራኩም ከየፍለጥኩም አቲኩም ዘለኩም: ነዚ ዕድል ክትጥቀምሉ:
ለ) አብ ምስላጥ ዝርከብ ጉዳይኩም ማለት ውሳነ ትጽበዩ ዘለኩም: ኩሎም አባላት ስድራኩም ከም ዝሐበርኩም ከተረጋግጹ:
ሐ) ኩሉ ግዜ ናብ ካናዳ ንምእታው ሕቶ አብ ተቅርቡሉ ግዜ: ቅኑዕ ሐበሬታ ክትህቡን: ኩሎም አባላት ስድራቤትኩም ክትምዝግቡን ነተሐሳስብ:
መ) ነዚጉዳይ ወይ ካልእ ናይ ካናዳ ኢሚግረሽንን ዜግነትን ዝምልከት ሞያዊ ምክሪ ይኩን ውክልና ምስ እትደልዩ ተወከሱና።
Awet Haile Immigration Services
[email protected]
(514) 691-3388